den 24 april 2024
Dagens namn: Vega
Orsa kommun - helt enkelt!

ጽሑፍ/ሓበሬታ ብዛዕባ ሂወት ኣብ ሓደ ማሕበር እንታይ ምዃኑ

ሓደ ማሕበር ክበሃል ከሎ፡ ሰባት ኣብ ክሊ ናይ ብሓባር ዝግድሱዎም ነገራት ተጠርኒፎም ክነጥፉሉን ክመሃሩሉን ዘኽእሎም እዩ። ኣብ ሽወደን ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ዝነጥፉ ማሕበራት ኣሎዉ፡ ኣብ ከም ስፖርትን-፡ ከባብያዊ ግዳሴን-፡ ባህላዊ ግዳሴን ዘለዎም ማሕበራት። ናብዞም ሽወደናውያን ማሕበራት እዚኣቶም፡ ድሕረ-ባይታኦም ብዘየገድስ ኩሎም ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም፡ ኣጓላት፣ኣወዳት፣ኣንስትን ሰብኡትን።
ማሕበራዊ ተሳትፎ እምበኣር፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ተራ ንኽህልወካ ዘኽእል ከፋት ማዕጾ እዩ። ማሕበራዊ ተሳትፎ፡ ቋንቋ ሽወደን ንምልምማድን፡ ኣተሃናንጻ ማዕርነታዊ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ከመይ ከም ዝኾነን ንኽትፈልጥ የኽእለካ። ኣብዚ ማሕበራዊ ተሳትፎ ተመክሮኻ ተካፍል፣ብወለንትነት ትንቀሳቐስን፡ ወይ ድማ ናይ ምልምማድ ተኽእሎ ትፈጥር። ምልምማድ ድማ ብተራኡ ስራሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ከኸትል ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ይኽእል።
 

 

Senast ändrad den 4 oktober 2017
Sidan underhålls med webKontroll från Daladatorer